Skip to main content

Somali

በራሪ ወረቐት ሓበሬታ ደቀንስትዮን ዝሓርሳ ሰባትን፡

ፕሮጀክት “ማተርኒቲ ኢን ከለር”

እቲ ፕሮጀክት ብዛዕባ ምንታይ እዩ?

እዚ ሳልፎርድ ዩኒቨርሲቲን ማንቸስተር ዩኒቨርሲቲን ኤን ኤች ኤስ ፋውንደሽን ብጥምረት ዘካይዱዎ ፕሮጀክት እዩ። ንኩነታት ልሙድ መወለዳን ከምኡውን ድሕረ-መወለዳን ናይቶም ጸሊም፣ ቡናዊን ዝተፈላለዩ ሕብሪ ቈርበት ዘለዎም ዓሌታት ደቀንስትዮን ዝሓርሳ ሰባትን (ን/ወይ ደቆምን) ዝርኢ ናይ ሕክምና ፎቶግራፋት ኣብ ምእካብ ንርከብ ኣለና። እዞም ስእልታት፡ ኣብ ዲጂታላዊ መምሃሪ መጽሓፍ ከምዝኣትዉ ተገይሩ ክፉት ዲጂታላዊ መወከሲ ትምህርቲ ክዀኑ ምእንቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት፣ መሕረስቲ፣ ተመሃሮ መሕረስቲን ካልኦት ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ዝቕረቡ እዮም።

እዚ ፕሮጀክት ስለምንታይ ይስርሓሉ`ሎ?

ካብ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዝተዋጽኡ ደቀንስትዮን ዝሓርሳ ሰባትን ቁልዑትን፡ ምስቶም ጸዓዱ ክወዳደሩ ኸለዉ ኣብ ክንክን መወለዳን ዝያዳ ዝተሓተ ውጺኢትን ተመኲሮን ዘጋጥሞም እዮም።

እቲ ሓደ ምኽንያት፡ ኣባላት መወለዳን ምልክታት ናይ ገለ ሕማማት ኣብ ዝጸለመ ሕብሪ ቈርበት ከላልዩ ስለዝጽገሙ እዩ ምኽንያቱ ድማ ዝበዝሑ ናይ ሕክምና መጽሓፍቲን ናይ ስልጠና መወከሲታት ጸዓዱ ቈርበት ናይ ዘለዎም ስእልታት ጥራይ ስለዝሕዙ እዩ።

እዚ ፕሮጀክት፡ ኣብ ጸሊም፣ ቡናዊን ዝተፈላለዩ ሕብሪ ቈርበት ዘለዎም ዓሌታት ከም ንቡር ዝረአ ጥንሲ፣ ሕርሲን ኲነታት ድሕረ መወለዳን ዘርእዩ እኩብ ስእልታት ብምድላው ንኣባላት መወለዳን ንዝወሃብ ስልጠና ንምምሕያሽ ዝዓለመ እዩ። እዞም ስእልታት ኣብ ትምህርቲን ስልጠናን መሕረስቲ፣ ነርሳት፣ ዶክተራትን ስድራቤትን ክንጥቀመሉ ኢና በዚ ድማ ኣባላት ንጸገማት ብዝበለጸ መገዲ ከላልዩን ዝያዳ ውሑስንን ዝያዳ ውጽኢታዊ ክንክንን ክቕርቡ ይሕግዞም። መወከሲታት ብተወሳኺ ንደቀንስትዮን ዝሓርሳ ሰባትን ስድራቤቶምን ኣገደስቲ ምልክታት ሕማማት ከላልዩ የኽእሎም እዚ ድማ ናይ ኣጋ መረዳእታ፣ መረጋገጺታትን ክንክን ብእዋኑ ምርካብ የረጋግጽ።

እንተተሳቲፈ እንታይ ክኸውን እዩ?

  • ንስኹም ወይ ውላድኩም ስእሊ ክለዓል እትደልይዎ ዝ ኾነናይ ጥዕና ጸገም እንተሃልዩኩም፡ ኣባላት ጒጅለ ሓኻይም መወለዳን ስለ ተገዳስነትኩም ከመስግኑኹም እዮም ከምኡውን ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት ክገልጹልኩምን ዝዀነ ሕቶታት ክምልስልኩምን እዮም።
  • ናትኩም (ወይ ናይ ውላድኩም) ስእሊ ክውሰድን ብስቱር ክዕቀብ ምእንቲ  ኣብ ሓበሬታ ዝተመርኰሰ ፈቓድ  ክትህቡ ክትሕተቱ ኢኹም።
  • ክትሳተፉ እንተተሰማሚዕኩም፡ ኣባል  ኣገልግሎት ሕክምናዊ ፎቶግራፍን ሕክምናዊ መግለጽን  ካብ ማንቸስተር ዩኒቨርስቲ ትረስት ነቲ ስእልታት ክወስድ ክመጽእ እዩ።
  • እቲ እትህቡዎ ፈቓድ እንተላይ እቲ ስእልታት  ክሕተም  ፈቓድኩም የጠቓልል(ንኣብነት፡ ኣብ ናይ መምሃሪ መጽሓፍቲ፣ ናይ ትምህርቲ መወከሲታት ወይ ናይ መጻኢ ትምህርታዊ ዓንቀጻት)።

ኲሉ ስእልታት ኣብ ናይ ሕክምና መዝገብኩም ይቕመጥ ግን ሓንሳእ ፈቓድኩም ምስ ሃብኩም ናብ ሳልፎርድ ዩኒቨርሲቲ ንትምህርታዊ ሕትመት ክስደዱ እዮም። ንዓኹም ዘላሊ ዝዀነ ሓበሬታ ኣይመሓላለፍን ወይ ኣይሕተምን።

እንታይ ዓይነት ስእሊ`ዩ ዝውሰድ?

እቲ ፎቶግራፋት ነዞም ዝስዕቡ ኲነታት የጠቓልል ግን ኣብዚኣቶም ጥራይ ዝድረት ኣይኰነን፡

  • ለውጥታት ጥንሲ (ንኣብነት ኣብ ከብዲ ዝወጹ ምልክታት፣ ናይ እግሪ ሰራውር ደም (ቫርኰስ ቬይን)፣ ምሕባጥ)
  • ምጥባው (ንኣብነት፡ ኣቀማምጣ፣ ምልጋብ፣ ነድሪ ናይ ጡብ፣ ማህሰይታት ጫፍ ጡብ፣ ዝተዓፈኑ መተሓላለፊታት)
  • ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ወይ ደገፍ እናተወሃበ እንከሎ ዝረአ ለውጥታት ቈርበት (ንኣብነት ምስ ዝትከል ሻምቡቂ ዝተሓሓዝ ናይ ቲሹ ለውጥታት፣ ብሰንኪ ጸቕጢ ዝፍጠር ቁስሊ፣ ምልሕጻጽ ወይ መድመይቲ ኣብ ትሕቲ ቈርበት)
  • ምልክታት ድሕረ መወለዳን (ናይ መጥባሕቲ ቁስሊ በሰላ ሕውየት ወይ መስፈይቲ፣ ረኽስታት፣ ምፍልላይ ጭዋዳታት ኸሰዐ)።
  • ዂነታት ድሕረ መወለዳን (ጆውንዲስ፣ ቀጠልያ ነጥብጣባት፣ ዕንፍሩር፣ ጸላም ብሮት፣ ስንብራት)
  • ስእልታት ኣብ እዋን ቅድመ መወለዳን፣ ድሕሪ መወለዳን ሽዑ ንሽዑን ድሕረ መወለዳን ዝግበሩ ንቡር ክንክናት።

ኲሎም ስእልታት ብበዓልሞያ ብጥንቃቐን ናይ ኤን ኤች ኤስ ፖሊሲታት ውልቃዊ ክብረት፣ ፈቓድ ውልቃዊነትን ምስጢራዊነትን ብምኽታልን እዮም ዝሰኣሉ።

ሓበሬታይን ስእልታተይን ብኸመይ ይዕቀቡ?

  • እተን ስእልታት ኣካል ናይቲ ኣብ ማንቸስተር ዩኒቨርሲቲ ኤን ኤች ኤስ ትረስት ፋውንዴሽን ዘሎ  ውሑስ ሕክምናዊ ሓበሬታ   እዩ ዝኸውን።
  • ብተወሳኺ ኣብ ፕሮጀክት “ማተርኒቲ ኢን ከለር” ምእንቲ እቱው ክኸውን ናብ ዩኒቨርሲቲ ሳልፎርድ ክስደድ እዩ (ስምን መንነትን ከይተጠቕሰ) ።
  • ኲሉ ሓበሬታ ኣብ ትሕቲ ፖሊሲታት ናይ ኤን ኤች ኤስ፡  ሕጊ ሓለዋ ሓበሬታ 2018 ን  ናይ ዩኬ ሕጊ ሓፈሻዊ ሓለዋ ሓበሬታ (ጂዲፒኣር) ዝሕሎ እዩ።
  • ዝዀነ ውልቃዊ ሓበሬታኹም (ስም፣ ኣድራሻ፣ ዕለተ ልደት ወዘተ) ናብዚ ፕሮጀክት ኣይክመሓላለፍን እዩ።

ስእሊ ብኸመይ መገዲ`ዩ ዝውሰድ?


ጒጅለ ሕክምናዊ ፎቶግራፍ ሕክምናዊ ስእልታት ኣብ ምልዓል ልዑል ክእለት ዘለዎም እዮም። ኲሉቲ ጻዕርታት ኣብቲ ክለዓል ዝግባእ ኩነታት ጥራይ ከምዘተኲር ክግበር እዩ ክንዲ ዝዀነ ድማ ክልለዩ ዝኽእሉ (ንኣብነት ንገጽኩም) ኣይክኣትዉን እዮም። ይዂንምበር፡ ኣብ ገለ ኲነታት ን ኣብነት ጸላም ብሮት፣ ተረፍ ስጋ ወይ ውቃጦታት ኣብ ስእሊ ክወጹ ይኽእሉ እዚ ማለት መንነትኩም ምሉእ ብምሉእ ክሽፈን ይኽእል እዩ ዝብል መረጋገጺ ክንህበኩም ኣይንኽእልን ኢና።

ሓሳበይ ኽቕይር እንተደልየኸ?

እቲ ስእልታት ድሕሪ ምስኣሉ  ክሳብ 56 መዓልታት  ኣብዘሎ ግዜ ፈቓድኩም ክትስሕቡ ትኽእሉ ኢኹም። ድሕሪዚ ግዜ፡ እቶም ስእልታት መንነትኩም ብዘይግለጸሉ መገዲ ይዳለዉን ክሕተሙ ክስደዱን እዩም ድሕርዚ ፈቓድኩም ከተንሳሕቡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

ምስታፍ ዝረኽቦ ንዘለኹ ክንክን ይጸልዎ ድዩ?

ኣይፋሉን፡ ኣብዚ ፕሮጀክት ምስታፍ ወለንታዊ እዩ። ከይትሳተፉ ምምራጽ ብዝዀነ መገዲ ነቲ ዝወሃበኩም ክንክን ኣይጸልዎን እዩ።

ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት ዝዀነ ሕቶ እንተልዩኒ ንመን ክውከስ ኣለኒ?

ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት ዝዀነ ሕቶታት ወይ ሻቕሎታት እንተልዩኩም ኣብ መጀመርታ ንደሪን ዌብ ን/ወይ ካይሊ ዋትሰንን ተወከሱ ንሳቶም ሕቶታትኩም ክምልሱልኩም ዝከኣሎም ክገብሩ`ዮም። 

ነዚ በራሪ ወረቐት ንምንባብን ኣብ ፕሮጀክት “ማተርኒቲ ኢን ከለር” ኣበርክቶ ንምግባር ንምሕሳብን ግዜኹም ስለዝወሰድኩም ነመስግን።  ተሳትፎኹም ዝተፈላለዩ ድሕረባይታ ንዘለዎም ስድራቤታት ንዝወሃብ ክንክን መወለዳን ውጽኢታትን ኣብ ምምሕያሽ ይሕግዝ እዩ።

University of Salford
Manchester University NHS Foundation Trust